ምሩጻት ክንጥቀመለን ንኽእል ፕሮዳክት

ካብቲ ብዙሕ ሕቶታት ዝመጽኣና፣ ንጸጉረይ ጽቡቅ ትብልዎ ፕሮዳክት እንታይ ኣሎ ንገሩና ዝብል እዩ። ኣብዛ ጽሕፍቲ ንከርሊ ጸጉሪ ርእሲ ይጠቅማ እየን ንብለን ፕሮዳክት ክንሕብረኩም ኢና። ቅድሚ ናብኡ ምእታውና ግን፣ እንታይ እዩ እቲ ' ንጸጉረይ ጽቡቅ' ዝብል ሕቶ ክንምልስ ኢና።
ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸጉሪ ርእሲ እዩ ዘለዎ። ብኡ ንብኡ ድማ፣ እቲ ንሓደ ሰብ ዝጠቀሞ፣ ንኩሉ ሰብ ብማዕረ ይጠቅሞ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ገሌና ሰባት ደረቅ ቆርበት ክህልወና ይኽእል - ገሌና ድማ ቅብኣት ዘለዎ ይኸዉን። ነዞም ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ጸጉሪ ባሕርያት ዘለዎም ሰባት፤ ሓንቲ ፕሮዳክት ብማዕረ ትጠቅሞም ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነቲ ደቀቅ ጸጉሩ ሰብ፣ ዘየድርቅ ፕሮዳክት ክጥቀም ኣለዎ - እቲ ቅብኣት ዘለዎ ድማ ንቅብኣቱ ዝቆጻጸር ፕሮዳክት ክጥቀም ኣለዎ ማለት እዩ።
ጌጋ ኣረዳድኣ ናይ ፕሮዳክት ድማ ኣብ ብዙሕ ሰብ ንዕዘብ ኢና። ንኣብነት፤ ጸጉረይ ዘብዝሓለይ ሻምፖ እንታይ ኣሎ? ጸጉረይ ዘይሰባብረለይ ሻምፖ ኣሎ'ዶ? ጸጉረይ ዘንዉሓለይ ሻምፖ ኣሎ'ዶ - ዝብል ሕቶታት እዩ።
- ሻምፖ ንጸጉርና ዓሌቱ ክቅይሮ ኣይክእልን እዩ - ሻምፖ ንጸጉርና በይኑ ከብዝሓልና ወይ ካብ ምስብባር ከወግደልና ኣይክእልን እዩ
- ጸጉርና ብባህሪኡ ዉሑድ ወይ ትርር ዝበለ ምስ ዝኸዉን፤ ፕሮዳክት ከም በዓል ሻምፖ ወይ ኮንድሽነር ብምጥቃም ጥራይ ባህርያቱ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና
እንታይ ድኣ? ጥዕና ዘለዎ ጸጉሪ - ማለት ዘይሰባበር ወይ ክልተ ኣፍ ዘይብሉን ወዘተን ክህልወና እንተ ኮይኑ፤ ግቡእ ክንክን ምስ ንህቦ ጥራይ ድኣ እንበር፣ ሓንቲ ሻምፖ ብምጥቃም ምሉእ ጥዕና ጸጉርና ንረክብ ማለት ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ቲንታ/ሕብሪ ንጥቀም ሰባት፣ ጫፍ ጸጉርና ዘይንቆርጾ፤ ሓዊ ልዕሊ 2 ጊዘ አብ ዓመት ንጥቀም፤ ማስክ ዘይንጥቀም፤ ተሪር ሻምፖ ምስ ንገብ- ጸጉርና ጥዕንኡ ክሕሎ ኣሸጋሪ ይኸዉን - ክሰባብር ድማ ይጅምር። ናይ ክንክን ጸጉሪ ብሰፊሕ ትዛረብ ጽሕፍቲ ኣብዚ ክንረኽባ ንኽእል።
ስለዚ እዘን ዝስዕባ ፕሮዳክት፤ ብዝተኻእለና መጠን ንዝተፈላለየ ባህርያት ጸጉሪ ዘገልግላ ክንጥቀመለን ምኽሪ ንህብ።
- ፈዉሲ ምስብባር - ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንቲ ጊዜ ወይ ክልተ ጊዜ ንጥቀመሉ ናይ ጸጉሪ ማስክ - ክኹሉ ዓይነት ጸጉሪ ዘገልግል
-
ሻምፖን ኮንድሽነርን - ጸጉርና ማይ ቐልጢፉ ዝሕዝን ቀልጢፉ ዝነቕጽን እንተ ኮይኑ(ሃይ ፐሮሲቲ)
- ሻምፖን ኮንድሽነርን - ጸጉርና ማይ ቐልጢፉ ዘይሕዝን ቀልጢፉ ዘይነቕጽን እንተ ኮይኑ(ሎው ፐሮሲቲ)
- ድሕሪ ምሕጻብና ንጥቀመሎም ዘይሕጸቡ ሊቭ-ኢን ኮንድሽነር - ክኹሉ ዓይነት ጸጉሪ ዘገልግል
- መፈረዚ ጸጉርና ድማ ድሕሪ ሊቭ-ኢን ኮንድሽነር ንጥቀመሎም
ስለዚ፤ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንቲ ጊዜ ግድን ማስክ ንጠቀም ። ማስክ ክንብል ከለና ኣብ ገዛና ብ አቮካዶ ገለ ሓዋዊስና ዘይኮነስ፣ ብግቡእ ንፈዉሲ ምስብባርን ፈዉዚ ምርጋፍ ጸጉርን ዝኾነ ብግቡእ ዝተሰርሐ ማስክ ክንጥቀም ኣለና። ንኣብነት Pearl De Lys Deep Curl Revival Mask ምስ ንጥቀም፤ ጸጉርና ንዕኡ ዘድልዮ መኣዛታት ስለ ዝህቦ፣ ካብ ምርጋፍ ይኹን ምስብባር ክከላኸለልና እዩ።
ኣብ ላዕሊ ተጠቂሰን ዘለዋ ሻምፖን ኮንድሽነርን ሊቭ-ኢን ኮንድሽነርን ሓሓንቲ መሪጽና ድማ ከከም ዓይነት ጸጉርና - ኣብ ሰሙን ሓንቲ ጊዜ እንዳ ተሓጸብና፣ ማስክ ግድን እንዳ ገበርና ጸጉርና ጥዕንኡ ንምለሶ።
ፐር ደሊስ