ጥዕና ጸጉርና ክንመልስ ምስ ንደሊ፤ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንከታተለን

ጥዕና ጸጉርና ክንመልስ ምስ ንደሊ፤ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንከታተለን

ዝኾነ ነገር ግቡእ ክንክን ምስ ዝረክብ ጥራይ እዩ እቲ ናቱ ምሉእ ዓቅሚ ክበጽሕ ዝኽእል። ንኣብነት፣ ጥዕና ናይ ነብስና ንመልከት። ነብስና ጥዕንኡ ክንሕሉ እንተ ኮይና፣ ዝተመጣጠነ መግቢ ንበልዕ፣ ስፖርት ንሰርሕ፣ እኩል ድቓስ ንድቕስን ወዘተን። እዚ ዓይነት ክንክን ብተኸታታሊ ምስ ንገብሮ እቲ ህዋሳትና ማዕሪኡ ለውጢ የርእየና። ልክዕ ከምኡ ድማ፣ ጸጉሪ ርእስና ዘድልዮ ክንክን ምስ ንገብረሉ፣ እቲ ናቱ ናይ ብሃቒ ባህሪያቱ ሒዙ ጥዕንኡ ዝሕሎ።

ካብቲ ንመብዛሕቲኦም ሰባት ዘጋጥም ጸገማት፣ ግቡእ ክንክን ኣተሓሕዛ ጸጉሪ ብግቡእ ዘይምክትታል - ብፍላይ ድማ ኣብ ሓጺር ጊዜ ምሉእ ለውጢ ምጽባይ እዩ። ንሕና ድማ ዝተጠቃለለ ጸጉሪ ስለ ዘለና፣ ነዞም ዝስዕብ ሩቲን ተከታቲልና ንጸጉርና ክንከናኸን ንኽእል።

ብዝሕን ኣገባብ ኣተሓጻጽባን  

ቆርበትና ካብቲ ኣገዳሲ ኣካል ናይ ጸጉርና እዩ። መብዛሕቲኡ ምብራቅ ኣፍሪቃዊ ዝተጠቃለለ ጸጉሪ ርእሲ ስለ ዘለዎ፣ ሲባም ዝበሃል ናይ ቆርበት ቅብኣት ቀልጢፉ ካብ ቆርበት ናብ ታሕቲ ጸጉሪ ስለ ዘይበጽሕ፣ ልዕሊ ሓንቲ ጊዜ ኣብ ሰሙን ምሕጻብ ኣየድልዮን እዪ። እቲ ሲባም ዝበሃል ናይ ቆርበትና ቅብኣት፣ ቀልጢፉ ካብ ቆርበት ናብ ቁመጥ ጸጉሪ ስለ ዘይበጽሕ ንጸጉርና ቀልጢፉ ኣየርስሖን። ብከሙ ድማ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ጊዜ ጥራይ ክንሕጸቦ ተመራጺ ዝኸዉን። እዚ ክንብል ከለና ግን፣ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ከይሓጸብናዮ ክንጸንሕ ኣለና ማለት ኣይኮነን። ጽሩይ ቆርበት ንጥዕና ጸጉርና ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፤ ነቲ ናይ ሰሙን ርስሓትን ዶሮናን ክንሓጽቦ ጽቡቅ ጌርና ከነጽርዮን ኣገዳሲ ዝኸዉን።

እንታይ’ከ ጌርና ክንሓጽቦ ኣለና? 

ሰለስተ ክፈላለያ ዘይብለን አገባብ ንከተል። 1. ሻምፖ 2. ኮንዲሽነር 3. ማስክ

ሻምፖ - ርስሓት ካብ ዉሽጢ መንፊት ናይ ቆርበትን ናይ ጸጉርን የዉጽኦ/ የጽርዮ። ተመረጽጢ ሻምፖ ኣብዚ ኣቲና ክንረክቦም ንኽእል

ኮንድሽነር - እቲ ሻምፖ ንርስሓት ምስ ኣዉጽኦ፣ መንፊት ናይ ጸጉርና ሃህ ስለ ዝብል ኮብድሽነር ብምጥቃም ንዕኡ ንዓጽዎ። ተመረጽቲ ኮንድሽነር ኣብዚ ክንረኽቦም ንኽእል 

ማስክ - ንጸጉርና ዘድልዮ መኣዛታት ይህበልና። ብፍላል ካብ ምስብባር፣ ካብ ምርጋፍን ካብ ክልተ ኣፉ ምዉጻእን ይከላኸለልና። ተመራጺት ማስክ ኣብዚ ኣቲና ክንረኽባ ንኽእል


ኣጠቃቅማ እዘን ሰለስተ ፕሮዳክት

ሻምፖ - ቀዳመይቲ ንጥቀመላ

1ይ - ማይ ጽቡቅ ጌርና ንጸጉርና ነተርክሶ

2ይ -  ነቲ ሻምፖ ኣብ ኣጻብዕትና ጌርና፣ ቀንዲ ድማ ኣብ ቆርበትና ኣተኩሮ ጌርና መቒልና ንቆርበትና ንክለዮ። ናብ ጫፍ ጸጉርና እቲ ዓፍራ ባዕሉ ክኸዶ ስለ ዝኾነ፣ ቀዳማይ ኣተኩሮና ናብ ቆርበትና ጥራይ ይኹን

3ይ - ብኣጻብዕትና ጌርና ማሳጅ ንግበሮ - ነቲ ሻምፖ ነዕፍሮ

4ይ - ልብጥ ዝበለ ማይ ጌርና ንሕጸቦ

ክልተ ጊዜ ድማ ሻምፖ ጌርና ንሕጸቦ። 


ኮንድሽነር - ድሕሪ ሻምፖ ንጥቀመላ

1ይ - ነቲ ሻምፖ ጥዑይ ጌርና ብማይ ድሕሪ ምሕጻብና፣ ጸጉርና ከከም ብዝሑ መቂልና ኣብ ኢድና እኩል ኮንድሽነር ንሓዝ

2ይ - ኣተኩሮና ቀንዲ ናብ ቁመት ጸጉርና ይኹን

3ይ - ከይደርቐና ማይ እንዳ ወሰኽና፣ ነቲ ኮንድሽነር ናብ ኩሉ ጸጉርና ንክለዮ። መመሸጥ ጌርና ድማ ንመሽጦ

4ይ - ክንምሽጦ ከለና ብታሕቲ ጀሚርና ናብ ላዕሊ ቀስ ኢልና ንኺድ

5ይ - ልብጥ ዝበለ ማይ ጌርና ንሕጸቦ


ማስክ - ድሕሪ ኮንድሽነር ንጥቀመላ

1ይ - ነቲ ኮንድሽነር ብማይ ጥዑይ ጌርና ድሕሪ ምሕጻብና፣ ከከም ብዝሒ ጸጉርና መቒልና ነቲ ማስ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ንልከዮ

2ይ - ከከም ዘድልዮ መቂልና ንመሽጦ

3ይ - ን 3 ክሳብ 5 ደቂቅ ኣብ ርእስና ነጽንሓዮ (ከከም ናይቲ ማስክ ሓበሬታ)

4ይ - ልብጥ ዝበለ ማይ ጌርና ንሕጸቦ


ድሕሪ ምሕጻብና’ከ?

ነዘን ሰለስተ ኣገባብ ኣተሓጻጽባ ድሕሪ ምጥቃም፣ ዝኾነ ዓይነት ስታይል ቅድሚ ምግባርና ዘድልዮ ክንክን ክንገብረሉ ኣለና። ካብ ልምዲ መብዛሕቲኡ ሰብ፤ ድሕሪ ምሕጻብ ጸቡሪ ወይ ሲቅ ኢሉ ይገድፎ ወይ ድማ ዘይቲ ይገብረሉ። እንተ ኾነ ግን ስቅ ኢልና እንተ ገዲፍናዮ፣ ጸጉርና መሊሱ ክደርቅ እዪ፣ ዘይቲ እንተ ጌርናሉ ድማ ጸጉርና ዘድልዮ ጤሊ ክስእን እዪ (ዝይትን ማይን ስለ ዘይተሓዋወስ)።

እንታይ ድኣ ንግበር?

ከምቲ ንኣካላትና ሎሽን ንገብረሉ፤ ናይ ጸጉሪ ሎሽን ልክዕ ሓጺብና ምስ ወዳእና ክንገብረሉ ኣለና። እዚ ድማ እቲ ሊቭ-ኢን ኮንክድሽነር ዝበሃል እዩ። ድሕሪ ምሕጻብ ጸጉርና ኣብ ኢድና ጌና ንምሉእ ርእስና ንልከዮ። ኣይሕጸብን ድማ እዩ። ከከም ንደልዮ ሽዑ ስታይል ንግበሮ።


ካብተን ምሩጻት ንብለን ሊቭ-ኢን ኮንድሽነር ኣብዚ ኣለዋ


እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ እንዳ ተኸታተልና፣ ኔርና ኔርና ክንገብሮም ዘለናን ከነወግዶም ዘለና ነገራትን፤-

አብ 3 ወርሒ (ከከም ዘድልዮ) ጫፍ ጸጉርና ንቁረጾ። ብፍላይ ክልተ ኣፉ ከይወጽኣና ክንሕልዎ ኣለና።

ከነወግዶም ዘለና ነገራት

  • ቲንታ፣ ሕብሪ፣ ዌላ ወይ ኬራቲን፤ ብብዝሒ ብኣርቴ ምቁናን፣ ብሓዊ ቀጻኢ ምምሻጥ(ልዕሊ 2 ጊዜ ኣብ ዓመት)
  • መዓልታዊ ብማይ ምሕጻብ

 

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኣገባብ ምስ ንኽተል፤ ጸጉርና ናብ ምሉእ ጥዕንኡ ክምለስ ቀሊል ይኸዉን።




 

ፐር ደሊስ

Back to blog